ምርኢት ኮማንዶ ፍሉይ ሓይሊ ወፍሪታት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)10ይ ዙር ፍሉይ ሓይሊ ፀረ ግብረ ራዕዲ መበል 33 ሰልጠንቲ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ምርኢት መሰረታዊ ኮማንዶ ኣየር ወለድ ኣቕሪቦም።

እቲ ብሄሊኮፕተር ተሓጊዙ ዝቐረበ ምርኢት፥ ምክትል ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢን ሓላፊ መምርሒ ዘፈር ኦፕሬሽንን ጀኔራል ብርሀኑ ጁላ፥ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻልን ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ፌዴራል ዘላለም መንግስቴን ተኸታቲሎምዎ።

ፀረ ግብረ ራዕዲ ወፍሪታት ብብቕዓት ምውፃእ ከምዝከኣል ዘርኢ ምርኢት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ወታደራዊ መዓስከር ቶጋን ወንዶ ጢቃን እውን ተመሳሰልቲ ምርኢታት ተኻይዶም ኢዮም።

ብሃይለየሱስ መኮንን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment