ምምስራት ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ብሄራዊ ፌዴራላዊ ስርዓት ዝተውሃቦ ቆራፅነት ዘረጋግ ፅ ኢዩ –  ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምስራት ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ብሄራዊ ፌዴራላዊ ስርዓት ዝተውሃቦ ቆራፅነት ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን ንህዝቢታት ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መልእኽቲ እነኳ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፉ፡፡

ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ መልእኽቱ፥ ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ዝኾኑ ዞባታት ምዕራብ ኦሞ፣ ቤንች ሸኮ፣ ካፋ፣ ዳውሮ፣ ሸካን ፍሉይ ወረዳ ሕጋዊ ከይዲ ሓሊዮም ብሕገ-መንግስቲ ዝተጎናፀፉዎ መሰል ብምጥቃም መበል 11 ኣባል ክልል ፌዴሬሽን ከምዝኾነ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ንህዝቢ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ እንኳዕ ደስ በለኩም ክብል ገሊፁ።

ህዝቢታት ደቡብ ኢትያጵያ ንብዙሓት ዓማውቲ ክልል ናይ ምዃን ሕቶ እናልዐሉ ከምዝፀንሑ ዝገለፀ እቲ ኣገልግሎት፥ ኣመራርሓ ለውጢ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፅኡ ድማ እናተለዓሉ ዝነበሩ ሓቶታት ሕገ-መንግስታዊ ከምዝኾነ ብምእማን ሕጋዊ ኣካይዳ ተኸቲሉ ንኽምለስ ፃዕሪ ገይሩ ኢዩ ኢሉ፡፡

ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ህዝቢ ድሌቱ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ንኽውስን፤ ዴሞክራሲያዊ ብዝኾነ መገዲ ከይዲ ህዝበ ውሳነ፣ እቲ ክልል ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር መበል 11 ክልል ኮይኑ ክጣየሽ ከምዝተገበረ ገሊፁ፡፡

ትኽክለኛ ፌዴራላዊ ስርዓት ውፅኢት ለውጢ ምዃኑ ከይዲ ምስረታ እቲ ሓዱሽ ክልል ርኡይ መርኣያ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ ኣገንዚቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment