ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲ ኣበባ ምስ ሰብ ሃፍቲ ብምትሕብባር ዝሃነፆም ኣባይቲን መስርሒ ቦታታትን ንነበርቲ ኣመሓላሊፉ።
ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ኣዳነች ኣቤቤ÷ ኣብ ክፍለ ከተማታት ለሚ ኩራ፣ ንፋስ ስልክ ላፍቶን ኣቃቂ ቃሊቲን ምስ ሰብ ሃፍቲ ብምትሕብባር ዝተሃነፁ ገዛውቲን ዕድል ስራሕ ንዝተፈጠረሎም ናይ ልምዓት ተለዓልቲ ነበርቲ እታኸተማን መስርሒ ቦታ ከምዝተመሓላለፉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣፍሊጠን፡፡
ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚኩራ 4 ሺሕን 510 መራሕቲ ስድራ ፅሩይ መስተ ማይን መሰረተ ልምዓትን ዝተማልኡሎም መንበሪ ገዛውቲ ከምዝተመሓላለፉ ኣብሪሀን።
ንልዕሊ 1 ሺሕን 264 ዝኾኑ ነበርቲ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር መስርሒ ቦታ ኣረኪብና እውን ኢለን።
ኣያት ሪል ስቴት፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ጄ ኤፍ ኤም ፔትሮሊየም ዲስትሪቢዩሽንን ኣን ለሚኩራ ዝተሃነፁ እንትኾኑ÷ ግሩፕ በላይነህ ክንዴ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ 48 ኣባይቲ ከምኡ እውን ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ 141 ኣባይቲ ተሃኒፆም ከምዝተመሓላለፉ ገሊፀን፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ÷ መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ብምቕባል ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ንዝተዋፅኡ ሰብ ሃፍቲ ምስጋና ኣቕሪበን፡፡