ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሌት ለውጢን ልምዐዓትን ብፍምፍላይ ግቡእ ምላሽ ክህብ ኢዩ – ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዱሽ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሌት ለውጢን ልምዐዓትን ብፍምፍላይ ግቡእ ምላሽ ንመሃብ ዘለዎ ቆራፅነት ገሊፀን።

ስነ-ስርዓት ምጥያሽ ሓዱሽ መንግስቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይነን ብሙሉእ ድምፂ ተመሪፀን ቃል ማሕላ ፈፂመን።

ወይዘሮ ኣዳነች ንዝተውሃበን ሓላፍነት ብምምስጋን፥ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኹለመዳይ ተሳትፎ ህዝቢ፣ ድሌትን ቆራፅነትን ዝተርኣየሉ መኽፈቲ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

“እቲ መረፃ ካብ ከይዲ ሓደ መረፃ ንላዕሊ ናይ ህላወን ማንነትን ኢዩ ብዝብል ፅኑዕ እምነትን ቆራፅነትን ዘርአዩ ኢትዮጵያውያን፥ ፀላእትና ኣብ ኣደባባይ ስዕረት ተሸከሙሉ፣ ምስ ሓቂን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያውያንን ደው ዝበሉ መሓዙትና ድማ ኩርዓት ክኸውን ዝኸኣለ፤ በዚ ድማ ሃገር ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገርናሉ መረፃ ኣካይድና ኢና” ኢለን፡፡

እተን ከንቲባ፥ ናብዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

በፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment