ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕፃ ዝወፅአሎም ኣባይቲ ዘመሓድር ናይ ቴክኖሎጂ ሲስተም ተዓዘብቲን ዝምለከቶም ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኸፊቱ።
ግልፅነትን ተሓታትነትን ንምዕሳል ከምዝሕግዝ ዘተኣመነሉ እቲ ቴክኖሎጂን፥ ንኣርባዕተ ዙር ፈተነ ከምዝተገበረሉን ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ዙር ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ፈተና ተገይሩ ንመደብ ምውፃእ ዕፃ ድሉው ንኽኸውን ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡
እቲ መተግበሪ ቴክኖሎጂ ብዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ዝማዕበለን ብዝምልቶም ኣካላት መንግስቲን ናይ ውልቀ ትካላትን ተራኢዩ ዝተረጋገፀን ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com