ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጎኒ ፖሊስ ፌደራል ብምዃን ኣድላዪ ሓገዝን ምትሕብባርን ክገብር ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝኽእሎ ኩሉ ኣብ ጎኒ ፖሊስ ፌደራል ብምዃን ኣድላዪ ሓገዝን ምትሕብባርን ከምዝገብር ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ካብ ላዕለዎት ክሳብ ወረዳ ዘለዉ ኣመራርሓ ስራሕቲ ለውጢ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ጎብኒዮም፡፡

እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን÷ ምስ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብምውዳድ ብዝተሰርሐ ስራሕቲ ፀፅታ ሰላም ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘላቕነት ተሓሊዩ ህዝባ ብዝተረጋግአ ኩነታት መዓልታዊ ናብርኡ ክመርሕ ከምዘኽእለ ገሊፀን፡፡

ፖሊስ ፌደራል ለውጢ ብትግሃት እቀላጠፈ ከምዝርከብ ኣብ ዑደተን ከምዝተገንዘባን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ብዝኽእሎ ኩሉ ኣብ ጎኒ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብምዃን ኣድላዪ ሓገዝን ምትሕብባርን ሓገዝን ከምዝገብር ኣረጋጊፀን፡፡

Comments (0)
Add Comment