ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዞባ ጉጂ ብምኽንያት ድርቂ ንዝተመዛበሉን ጉድኣት ዝበፅሖምን ወገናት ዝኸውን ልዕሊ 50 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ብምኽንያት ድርቂ ንዝተመዛበሉን ጉድኣት ዝበፅሖምን ወገናት ዝኸውን ልዕሊ 50 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ፡፡

ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዞባ ጉጂ ብድርቂ ጉድኣት ንዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብን ብምኽንያት እቲ ድርቂን እናተጎድኡን እናሞቱን ንዝርከቡ እንስሳት ዝኸውን ሓገዝ መኖን ሳዕሪን ከምኡ እውን መጠራቐሚ ማይ ሮቶ ንምምሕዳር እቲ ዞባ ኣረኪበን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ርኽክብ ከምዝገለፀኦ፥ “ዕላማ እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሓገዝ ሓቢርናኩም ከምዝኾንና ንምርኣይን ፍቕርና ንምግላፅ ኢዩ” ኢለን።

ጉጂ ብድርቂን ፀገም ፀፅታን እናተሳቐየ ከምዝርከብ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፥ እቲ ከባቢ ናብ ዝተረጋገአ ኩነታት ክሳብ ዝምለስ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣብሪሀን።

ኣብቲ ዞባ ብዘጋጠመ ፀገም ሐብረተሰብ፣ እንስሳት፣ ኣግማልን ኣጣልን እናተጎድኡ ከምዝኾኑ ዝገለፁ ድማ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጉጂ ኣይተ ታደለ ኦዶ ኢዮም፡፡

እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ንዝቐረበ ሃገራዊ ፃውዒት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝሃቦ ምላሽ ምስጋና ምቕራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment