ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልል ሶማሌ ንዘጋጠመ ድርቂ ዝውዕል 22 መኪና ሓገዝ መኖ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልል ሶማሌ ንዘጋጠመ ድርቂ ዝውዕል 22 መኪና ሓገዝ መኖ ገይሩ።

እቲ ምምሕዳር ከተማ ንክልል ሶማሌ ዝገበሮ ሓገዝ መኖ እንስሳት ንካልኣይ ዙር ዝተገበረ እንትኸውን፥ ካብ ነበርቲን ምምሕዳርን ክፍለ ከተማ ልደታ ዝተውፃፃኣ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ሓገዝ ዘረከባ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ “እቲ ፀገም ናይ ክልል ሶማሌ ጥራሕ ከምዘይኮነ ንምርኣይ ኣብ ጎንኹም ኢና” ኢለን።

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ርእሰ መምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ብግደኦም፥ እቲ ምምሕዳር ንዘበርከቶ ብምምስጋን፤ ሕዚ ዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ዘሓለፉ 40 ዓማውቲ ዘይተርኣየ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment