ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ ነበርቲ መኣዲ ኣካፊለን፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ ሕዚ እዋን÷ ሓቢርካ ምብላዕን ዝተገሙ ወገናትን ምሕጋዝ ባህል እናኾነ ምምፅኡ ተዛሪበን።
ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት ኣብ እዋን በዓል ዝፍጠር ፅዕንቶ ብምንካይ እቲ በዓል ደስ ኢሉዎም ንኸሕልፉ ስለዝተገበረሎም ከምዝተሓጎሱ ኣልዒለን፡፡
መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማ ዝርከባ ወረዳታት ከምዝካየድ ኣፍሊጠን።
ብዘመን በየነ