ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ባህርዳር ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ድጋፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግኸምራ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ባህርዳር ንዝርከቡ ወገናት ድጋፍ ገይሩ።

እቲ ድጋፍ ልዕሊ 20 ሚሊየን ብር ዝግመት ምግብን ኣልባሳትን እንትኸውን፥ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ነቲ ድጋፍ ኣረኪበን።

እተን ከንቲባ፥ ግብረ ራዕዲ ህውሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘበፅሖ ግፍዒን በደልን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝበፅሖ ኢዩ ኢለን።

እተን ከንቲባ መላእ ኢትዮጵያውያን ብምትሕብባር ነቲ ጉጅለ ራዕዲ ብምቕባር ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን እግሪ ምትካልን ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ሎሚ ዝተገበረ ልዕሊ 20 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ናይ ምግብን ኣልባሳትን ድጋፍ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣብ ጎኒ ተፈናቐልቲ ምዃኑ ንምርኣይ ከመዝኾነ ኣብሪሀን።

“ሎሚ ኣብ ግዝያዊ መዓስከር እንተሃለኹም እውን ድሕሪ ዓወት ናብ መረበትኩም ከምእትምለሱ ኣይንጠራጠርን” ኢለን።

እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ቀፃሊ ተመዛበልቲ እግሪ ንምትካል ኣብ ዝስራሕ ስራሕቲ ሓገዝ ከምዝገበር ገሊፀን።

ርእሰ ምምሕዳ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቅድመ ሐዚ በቲ ግብረ ራዕዲ ምስ ዝተፈናቐሉ ጎኒ ብምዃን ሓጊዙ ኢዩ ኢሎም።

ሎሚ ዝተገበረ ድጋፍ እውን ብምምስጋን፥ እቲ ክልል ምስ ኩሎም ሓይሊታት ፀፅታን ህዝብን ብምዃን ጉጅለ ራዕዲ ንምድምሳስ ይስርሕ ከምዘሎ ገሊፆም ክብል ኣሜኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment