ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰለስተወርሒ ጥራሕ ንህንጸት ግድብ ህዳሰ ዝውዕል ልዕሊ ብር 500 ሚሊየን ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ስራሕቲ ወፍሪ ምትእኽኻብ እቶት  እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ።

ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ተሳትፎ ህዝቢ ግድብ ህዳሰ እታ ከተማ፥ ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ንህንጸት ግድብ ህዳሰ ዝውዕል ብር 789 ሚሊየን ንምእካብ ሃቂኑ ኣብ ሰለስተወርሒ ጥራሕ ልዕሊ ብር 500 ሚሊየን ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ምስክር ነጋሽ ኣብቶም ኣዋርሕ ዝተኣከበ ኣታዊ ኣብ መወዳእታ በጀት ዓመት ካብ ዝተሃቀነ ንላዕሊክእከብ ከምዝኽእል ዘርኢ ኢዩ ኢሎም።

ቀንዲ ምኽንያት ንምውሳኽ እቲ ሓገዝ ድማ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰን ኣታዊ ንምትእኽኻብ ተሓሲቡ ኣብ መላእ ሃገር እናዘረ ዝርከብ ፅዕ ግድብ ህዳሰን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ከተማ ምምሕዳር፥ ፅዋዕ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዓሰርቲአን ክፍለ ከተማታት ክዘዋወር ብምግባር ኣታዊ እናኣከበ ይርከብ።

እዚ ድማ ሕብረተሰብ ነቲ ግድብ ዝገብሮ ሓገዝ ንኸጠናኽር ከምዛዝሓገዞ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ህንፀቱ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ ዓመት 2012 ዓ.ም ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ኣታዊ ምእካብ ከምዝኸኣለ ኣይተ ምስክር ነጋሽ ገሊፆም።

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment