ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሰሙን ዝወፅአ ዕፃ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ውድቂ ገይሩዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 1 ሓምለ 2014 ዓ.ም ዝወፅአ ዕፃ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ 20/80ን 40/60ን ውድቂ ገይሩዎ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ 1 ሓምለ 2014 ዓ.ም ዝወፅአ ዕፃ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ 20/80ን 40/60ን ውዱቕ ከምዝተገበረ ተዛሪበን፡፡

እቲ ዕፃ ዝተሰረዘሉ ምኽንያት ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ድሕሪ ስነ-ስርዓት ምውፃእ ዕፃ ዝተፈላለዩ ምጥቋማት ብምቕራቦም፤ ስራሕቲ ኦዲት እንትጅመር ብባንኪ ዝተለኣኸን ንዕፃ ክውዕል ናብ ኮምፒዩተር ዝተፀዓነ ዳታ ኣፈላላይ ምህላዉን ስለዝተረጋገፀ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 1 ሓምለ 2014 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ ዕፃ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ 20/80ን 40/60ን ተግባር ምጭብርባር ዳታ ብምግጣሙ ነቲ ኩነታት እናፃረየ ከምዝርከብን በቲ ተግባር ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናውዐለ ከምዝኾነን ይፍለጥ፡፡

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment