ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዘኽታማት፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን መንበሪ ኣባይቲን መስሪሒ ሼዳትን ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ላፍቶ ኣብ ትሑት መነባብሮ ምዝርከቡ 85 ዘኽታማት መንበሪ ኣባይቲን ን770 መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ተረባሕቲ ዝገብር 166 መስሪሒ ሼዳትን ኣረኪቡ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸባ ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ሃፍቲ እታ ከተማ ብማዕርነትን ፍትሓዊነትን ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ከምዝግበኦን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ተዛሪበን።

የተጀመረው የልማት እና የብልጽግና ጉዞ እውን እንዲሆን ሁሉም መተባበር እና መተጋገዝ ይገባዋል ሲሉ ወይዘሮ አዳነች አቤቤ አሳስበዋል

ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓትን ምዕባለን ጋህዲ ንኽኾኑ ኩሉ ክተሓባበር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment