ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደገፍ 500 ሚሊን ብር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደገፍ 500 ሚሊን ብር ገይሩ።

እቲ ከተማ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታትን ካልኦት ዛዕባታትን ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ተዛቲዩ።

ምክትል ከንቲባ እቲ ከተማ ወይዘሮ አዳነች አቤቤ፥ እቲ ሰራወት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ፀገም ኣብ ምቕራፍን ልኡላውነት ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባርን ልዑል ዓወት ኣመዝጊቡ ኢዩ ኢለን።
ብሓፈሻ ንሃገር ንዝገብሮ ዘሎ ውዕለታ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ደገፍ 500 ሚሊን ብር ከምዝገበረ ኣፍሊጠን።

ኣብ ቀፃሊ እውን ካብ ህዝቢ ክሳብ 2 ቢሊየን ብር ደገፍ ክግበር የኽእል ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ኢለን።

ብኣፈወርቅ አለሙ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment