ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብር 8 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዝግመት እኽሊ ንክልል ቤኒንሻንጉል ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብር 8 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዝግመት  እኽሊ ንክልል ቤኒንሻንጉል ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ኣማኻሪ ውዳበ ህዝቢ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣይተ ሺሰማ ገብረስላሴ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣረኪቦምዎ።

ኣብቲ ርኽክብ ሓገዝ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ታረቀኝ ቴሲሳ፥ እቲ ምምሕዳር ከተማ ንዝገበሮ ሓገዝ እኽሊ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ካብቲ ምምሕዳር ከተማ ዝተበርከተ ሓገዝ፥ ኣብቲ ክልል ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ምላሽ ንመሃብ ዝግበር ዘሎ ስራሕቲ ሓገዛ ከምዝኸውን ተዛሪቦም።

ኣይተ ሺሰማ ገብረስላሴ ብግደኦም፥ ኣብ ዘዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንኹሉ ዘሕዘነ ተግባር ስለዝኾነ እቲ ምምሕዳር ከተም ከምዝኹንኖ ገሊጾም።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቅድም ክብል ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣስተዋፅኦ ንዘገበሩ ሓይሊታት ፀፅታ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምኡ እውን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ነበርቲ ንምሕጋዝ ቃል ብዝኣተዎ መሰረት ንሕድሕዶም 3 ሺሕ ኩንታል ሓገዝ እኽሊ ምግባሩ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment