ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰነድ መረጋገፂ ትሕዝቶ ዘይነበሮም ነባር ትሕዝቶታት መሳጊድ 70 ሰነድ መረጋገፂ ትሕዝቶ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰነድ መረጋገፂ ትሕዝቶ ዘይነበሮም ነባር ትሕዝቶታት መሳጊድ 70 ሰነድ መረጋገፂ ትሕዝቶ ኣረኪቡ።

ስነ – ስርዓት ርኽክብ መህነፂ ቦታ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ መስጊድን ማእኸል ምርምርን እውን ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

እቲ ከተማ ምምሕዳር ንመህነፂ እቲ መስጊድ ዝውዕል 30 ሺሕ ካሬ ሜትር ቦታ ኣረኪቡ ኣሎ።

እቲ ቦታ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ንዋና ኣካቢ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሙፍቲ ሐጅ ዑመር እድሪስን ንፕዚዳንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ሸይኽ ሱልጣን ኣማንን ምርካቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment