ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2014 በጀት ዓመት መጠቓለሊን ኣብ 2015 ስራሕቲ ምዕራፍ ምድላውን ገምጋምን ዘተን እናተኻየደ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ፥ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለስ ኣለሙን ምክትል ከንቲባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይን ተረኺቦም።
እቲ መድረኽ ንሰለስተ መዓልትታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እታ ከተማ ዝሳተፍሉ መድረኽ፤ ናይ 2014 ገምጋም ኣፈፃፅማታት ስራሕ መንግስትን ፓርቲን ናይ 2015 ነጥብታት ትኹረት ዘተ ከምዝግበር ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ዝነበሩ ሕፅረታትን ጉድለታትን ብምልላይ ናይ ምምላእን ስጉምቲ እርማት ናይ ምውሳድን ኣብ ዝካኣለሎም ጉዳያት እውን ዘተ ክግበረሎም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ በጀት ዓመት ትኹረት ኣብ ዝደልዩ ጉዳያት ናይ ሓባር ስምምዕነት ብምፍጣር ናይታ ከተማ ልምዓትን ዕብየትን ንምቅልጣፍ፣ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕን፣ ህፁፃት ሕቶታት ህዝቢ ንምፍታሕን ፅዕንቶ ናብራ ምቕናስን ኣብ ዝካኣለሎም ኩነታት ብምልዛብ ጠሚቱ ከምዝስራሕ ተሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።