ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 26 ሺሕ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ክሃንፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሕዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤጀንሲ ህንፀትን ዲዛይንን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ልዕሊ 26 ሺሕ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ከምዘሃንፅ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤጀንሲ ኣብ ትልሚ በጀት ዓመት ዝሓዞም ተግባራት ኣመልኪቱ ምስ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዘተ ኣሳሊጡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ቴዎድሮስ ኣያሌው፥ ኣብዚ በጀት ዓመት 26 ሺሕን 80 ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ብዝተማልአ ዲዛይንን ፅሬቱ ብዝሓለወ መሰረተ ልምዓትን ንምህናፅ ምድላዉ ከምዝዛዘመ ገሊፆም።

እቲ ኤጀንሲ ኣብዚ ዓመት ሙሉእ ዓቕሙ ተጠቒሙ ናብ ስራሕ ስለዘኣተወ፥ ነባር ፕሮጀክታት ዘለዉ ክፍተታት ፈሊዩ ከውፅእ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

“ዲዛይን ዘይምምላእን ምምሕዳር ውዒሊን ቀንዲ ቀንዲ ፀገማት ምንባሮም ምፍላይ ተኻኢሉ ኢዩ” ኢሎም።

ዝተዛዘሙ ብዙሓት ህንፀታት መሰረተ ልምዓት ስለዘይተማለአለን ንነበርቲ ምርካብ ከምዘይተኽኣለ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ዘሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝነበረ ምዕራፍ ምድላው፤ ሰራሕተኛታት ምውዳድ፣ እታወታት ምምላእ፣ ከምኡ እውን ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ እናተውሃበ ምፅንሑ ኣይተ ቴድሮስ ኣዘኻኺሮም።

ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ትካል ትልሙ ንምዕዋት ዘኸእል ዓቕሚ ምህናፁ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment