ምምሕዳር ከተማ ባሕርዳር ልዕሊ ብር 110 ሚሊየን ዘውፅእ ናይ ዓይነት ድጋፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ባሕርዳር ካብ ነበርቲ እታ ከተማ፣ማሕበረሰብ ንግዲ፤ ካብ ሰብ ሃፍቲን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍላት ማሕበረሰብን ዘተኣኻከቦ ልዕሊ ብር 110 ሚሊየን ዘውፅእ ምግብን ዝተፈላለዩ ኣልባሳትን በቲ ኩናት ንዝተመዛበሉን ሃፍቲን ንብረቶምን ንዝዓነዎም ወገናት ድጋፍ ገይሩ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ምምሕዳር ከተማ ባህር ዳር ኣይተ በትግሉ ተስፋሁን፥ እቲ ኩናት ኣብ ሃገርና ብፍላይ ኣብ ከባብታት ምብራቕ ኣምሓራ ዘብፀሖ ዕንወት ንብረትን ምምዝባል ዜጋታትን መሊስካ ንምጥያሽ ብዋናነት እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ሎሚ መዓልቲ እውን ንዝተመዛበሉ ወገናት ዝኸውን ማይ፣ ምግብን ዝተፈላለዩ ክዳውንትን ካልኦት ሓገዛት እውን ኣምፂኢና ኢና” ኢሎም፡፡

እቲ ምምሕዳር ከተማ÷ ቅድሚ ሐዚ ኩናት ኣብ ዝነበረሎም ዞባታት ቀዲሙ ብምብፃሕ ንሰራዊትን ንዝተመዛበሉ ወገናትን ድጋፍ ንምግባር ፃዕሪ ከምዝገበረን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣረጋጊፆም፡፡

ሓላፊ መምርሒ ትምህርትን ምክትል ምምሕዳር ሰሜን ወሎ ጋሻው አስማሜ ብወገኖም÷ “ህዝብን ምምሕዳር ከተማ ባህርዳር ፀላኢ እተን ዞባታት ድሕሪ ምውራሩ ዝተፈላለዩ ድጋፋት ብምልኣኽ ተፈልዩና ኣይፈልጥን” ብምባል ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment