ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ፍርያትን መፍረያይነትን ንምስሳን ዓሊሙ ምስ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ መዓልቲ መፍረያይነት ምኽንያት ብምግባር ፍርያትን መፍረያይነትን ንምስሳን ዓሊሙ ምስ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ተዛቲዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ከንቲባ ኣዳነች፣ ምክትል ከንቲባ ኣይ ጃንጥራር ኣባይ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ዘተ፥ “ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ኩነታ ኣብቲ ዓውዲ ዝረአዩ ማሕለኻታት ተፃዊርኩም እናሰራሕኹም ትርከቡ” ኢለን።

“ንሕና እውን ንፃዕርኹም ኣፍልጦ እናሃብና ዝጎደለ ንምምላእ ንደሓር ኣይንብልን ክብላ” ገሊፀን።

መሬት፣ ቀረብ ጥረ ኣቑሑት፣ ቀረብ ፋይናንስን ምስ ዝምልከቶም ትካላት መንግስቲ ዝግበር ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ሓዊሱ እቲ ምምሕዳር ከተማ ሓፈሻዊ ማሕለኻታት እቲ ዓውዲ እናፈለየ ንምፍታሕ ቆራፅ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ብግደኦም፥ እቲ ምምሕዳር ኣፍረይቲ ብዝድለ ደረጃ ከምዘዳምፅ ተዛሪቦም።

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ልዕሊ 10 ሺሕ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ናብ ዓበይቲ ኩባኒያታት ንኽሰጋገራ እቲ ምምሕዳር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተዋደደ ምንቅስቓስ እናገበረ ይርከብ ምባሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment