ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንጀኔራል ሰዓረ መኮንን ዘህነፆ ሓውልቲን ብስሞም ዝሰየሞ ፓርክን ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንነበር ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጀኔራል ሰዓረ መኮንን ዘህነፆ ሓውልቲን ብስሞም ዝሰየሞ ፓርክን ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ህንፀት እቲ ሓውልቲን ፓርክን ኣብ ከባቢ ቦሌ ርዋንዳ ኣዲስ ኣበባ ኢዩ ተሃኒፁ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፥ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፣ ስድራ ጀኔራል ሰዓረ መኮንን ከምኡውን ጀነራል መኮንናትን ነበር መሳርሕቲ ጀኔራል ሰዓረን ተረኺቦም።

ከንቲባ ኣዳነች፥  ጀነራል ሰዓረ ጅግና ኢዮም፤ ዝሞትሉ ዕላ ድማ ንሃገር ቀዳምነት ዝሃበ ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ ታሪኮም ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ክቕፅል ኢዩ ክብላ ገሊፀን።

ብስም ጀነራል ሰዓረ መኮንን ስም ዝተሃንፀ ፓርክን ሓውልቲን እንትነመርቕ ቀፃሊ ትውልዲ ካብቲ ታሪክ ንክመሃር ብምሕሳብ ኢዩ ኢለን።

ጄኔራል ሰዓረ ካብ እዋን ቁልዕነት ጀሚሩ ንደቂ ሰባት ማዕርነትን ፍትሕን ብነፃነት ዝተቓለሱ፣ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘቐድሙ፣ “ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እንበር ብሄር ኣይብሉን” ብምባል ንሓድነት ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ምዃኖም ኣዘኻኺረን።

መናእሰይ ካብ ጄኔራል ሰዓረ ፍቕሪ ሃገር፣ ብተኣማንነት ምግልጋል ከምኡውን ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ክመሃሩ ኢዮም ኢለን።

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ መሬት ካብ ምቕራብ ጀሚሩ ሙሉእ ወፃኢ እቲ ሓውልቲን ፓርክን ከምዝሸፈነ ተገሊፁ።

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ፀሊም ስምብራት ታሪክ ብፍትሒ ንክፀሪ ናይ ሓባር ሓድነትና ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም።

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ተበግሶ ብምውሳድ በጀት ሰሊዑ ነቲ ሓውልቲ ብምህናፁ ብስም ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር አመስጊኖም።

ጄኔራል ሰዓረ ካብ ወርሒ ግንቦት 2010 ዓ.ም ህይወቶም ክሳብ ዝሓለፈሉ 15 ሰነ 2011 ዓ.ም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምዃን ኣገልጊሎም ኢዮም።

ብበረከት ተካልኝ

#Ethiopia

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment