ምምሕዳራዊ ውዳበ ዓለም ኣብ ምዕባይ ንዝርከብ ኢኮኖሚ ምላሽ ዝህብ ንኽኸውን ብትግሃት ክንሰርሕ ኣለና – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራት ብሪክስ ምምሕዳራዊ ውዳበ ዓለም ኣብ ምዕባይ ንዝርከብ ኢኮኖሚ ምላሽ ዝህብ ንኽኸውን ብትግሃት ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሞስኮ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፎረም ቢዝነስ ብሪክስ ብዙም ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣባል ሃገራት ብሪክስ 50 ሚኢታዊ ህዝቢ ዓለም ከምዝውክሉ ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ እዚ ዓብዪ ዓቕሚ ኣብ ዕቤትን ዘላቒ ልምዓትን ኢኮኖሚ ዓለም ጭቡጥ ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ተዛሪቦም።

“እዚ ዓቕሚ ናብ ተግባር ንምልዋጥ ብንቕሓት ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሎም።

ብምዃኑ ምምሕዳራዊ ውዳበ ዓለም ወካሊ፣ ዘካትትን ኣብ ምዕባይ ንዝርከብ ኢኮኖሚ ምላሽ ዝህብ ንኽኸውን ንምግባር ብዕቱብ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment