ምምሕያሽ ታሪፍ ኤሌክትሪክ ንምግባር ምድላው ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕያሽ ታሪፍ ኤሌክትሪክ ንምግባር ምድላው ይግበር ከምዘሎ በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ወ/ሮ ሳህረላ ኣብዱላሂ፥ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ንዘቕርብኡ ኣገልግሎት መሰረተ ልምዓት ወፃኢ ብምሽፋን ተመጣጣኒ ትርፊ ናይ ምርካብን ብመንግስቲ ድማ ንህዝቢ ኤሌክትሪክ ተበፃሒ ናይ ምግባር ዕላማ ፈትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንክፍፀም ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ ኢለን።

እዚ ብመሰረት ዝተቐመጠ ኣግባብ ሕጊ ናይ ኩሎም ኣካላት ድልየት ሓሊኻ ንምቕፃል ዘፀግሙ መሓንቓት ዕብየት እቲ ዓውዲ ከምዘለዉ ተዛሪበን።

ካብዚ ሓደ፥ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ፅዕንቶ ኢኮኖሚያዊ ንዘይምፍጣር ክብል ብሕጊ ዝተቐመጠ ምምሕያሽ ታሪፍ ጊዘ ሓሊዩ ንክኽለስ ዘይምግባሩ ሓቢረን።

ካብ 2011 ክሳብ 2014 ዓ.ም በቢዓመቱ ተግባራዊ ዝግበር ታሪፍ ኤሌክትሪክ ኣብ 2014 ዓ.ም ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዘይምንም ምምሕያሽ ከምዝፀንሐ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ትካላት መቕረብቲ ሓይሊ መፅናዕቲ ታሪፍ ብምድላው ንቤት ዕዮ በዓል መዚ ብመሰረት ዘቕረብዎ ታሪፍ ቅድመ ገምጋም ብምውጋን ካብ ሕብረተሰብ ዝተፈላለየ መገዲታት ርእይቶ ክንቅበል ኢና ኢለን።

ብመሳፍንት እያዩ

Comments (0)
Add Comment