ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲን ተወሳኺ ቋንቋታት ስራሕ ፌዴራልን ክህሊ ኣለዎ – ኣብዝሓ ተሳተፍቲ ሓደ መፅናዕቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሓደ መፅናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ኣብዝሓ ኢትዮጵያውያን ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲን ተወሳኺ ቋንቋታት ስራሕ ፌዴራል ምህላውን ከምኡውን ኣብ ካልኦት ጉዳያት ከምዝስማዕምዑ ውፅኢት መፅናዕቲ ኣፍሮ ባሮ ሜትር ሓቢሩ።

መበል ሻምናይ ውፅኢት መፅናዕቲ ኣፍሮ ባሮ ሜትር ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብዝሓ ተሳተፍቲ እቲ መፅናዕቲ፥  ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ፌዴራል፣ ተወሳኺ ቋንቋታት ስራሕ ፌዴራል ምህላውን ዘበን ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትር ክግደብ ኣለዎ ኣብ ዝብሉን ዛዕባታት ከምዝስማዕምዑ ተገሊፁ።

ኣብ ካልኦት መመዘኒታት ድማ ኣፈላላይ ከምዘለዎም ኢዩ እቲ መፅናዕቲ ዝሓበረ።

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ፌዴራል ዝድግፉ 68 ሚኢታዊ፣ ብዘለዎ ክቕፅል ኣለዎ ዝብሉ 18 ሚኢታዊ፣ ብሓዱሽ ክትካእ ኣለዎ ዝብሉ ድማ 11 ሚኢታዊ ኢዮም።

ተወሳኺ ቋንቋታት ስራሕ ፌዴራል ክህሊ ኣለዎ ዝበሉ ድማ ኣብቲ መፅናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ 73 ሚኢታዊ እንትኾኑ፥ 3 ሚኢታዊ ብዘለዎ እንተዝቕፅል ዝበሉ ኢዮም።

24 ሚኢታዊ ድማ ከምዝተቓወምዎ ተገሊፁ።

ዘበን ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትር ብኽልተ ዘበን ምርጫ ክግደብ ኣለዎ ዝበሉ 68 ሚኢታዊ፣ ዝተቓወሙ 23 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ድምፂ ዘይሃብሉ 9 ሚኢታዊ ከምዝኾኑ እውን ተሓቢሩ።

ገለልተኛ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ሕገ መንግስቲ ምጥያሽ ብዝምልከት 55 ሚኢታዊ እንትድግፉ፥ 25 ሚኢታዊ ተቓውሞ 21 ሚኢታዊ ድማ ሓሳብ ዘይሃቡ ኢዮም።

ኣብዝሓ ተሳተፍቲ እቲ መፅናዕቲ፥ ኣብ ዓንቀፅ 39 ዘሎ መሰል ዓርሰ ውሳነ ዝብል ክውገድ፣ ኣብ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣርማ ክውገድ ከምኡ ‘ውን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣባልነት ፌዴሬሽን ምክታት ብዝብል ንዝቐረበ መሕትት ከምዝተቓወምዎ እውን ተገሊፁ።

እቲ መፅናዕቲ ኣብ ኩሎም ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ዝተገበረ እንትኸውን፥ ሳይንሳዊ መለክዒታት ብምጥቃም ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ብምስታፍ ኣብ ፌዴራሊዝምን ጉዳያት ሕገ መንግስቲን ትኹረት ብምግባር ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።

ኣፍሮ ባሮ ሜትር ኣብ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ ገለልተኛ ዝኾነ ስራሕቲ መፅናዕቲን ምርምርን ዘካይድ ትካል ኢዩ።

ብተስፋዬ ከበደ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment