ምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልምዓት ኮሪደር ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልምዓት ኮሪደር ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋን መረፃ፤ “ ኣዲስ ኣበባን ከም ስማ ውቅብቲ ዕምበባ ንምግባርን ንነበርታ ምችውቲ ክትከውንን” ንምስራሕ ንህዝቡ ቃል ብዝኣተዎ መሰረት ሓደሽቲ መሰረተ ልምዓታት ሃቂኑ እናሰርሐን ነባራት ብምሕዳስን ቀትሪን ለይቲን እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ፡፡

እታ ከተማ ካብ ዘለዋ ሕፅረት መሰረተ ልምዓትን ምውሳኽ ቁፅሪ ህዝቢን ተተሓሒዙ ከምኡ እውን ዘበናት ዘቑፀሩ መሰረተ ልምዓታት ንምዝማን፣ ንምሕዳስን ፍትሓዊ ተረባሕነት ነበርታ ንምርግጋፅ ልምዓት ኮሪደር ምውጋን ከምዝተጀመረ ገሊፁ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ነበርቲ እታ ከተማ ሜላ ኣነባብራ ንምምሕያሽን ነታ ከተማ ዝምጥን፤ ዘበኑ ዝሓትት፤ ቀረብ መሰረተ ልምዓት ንምውሳኽ ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደር ኣብ መፅናዕቲ ተደሪኹ ቅድመ ምድላው ተገይሩ ዝተጀመረ ስራሕ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ከይዲ እዚ ካብ ቅድመ ምድላው ጀሚሩ ክሳብ ትግበራ ምምስ ሕብረተሰብ ብምዝታይ፣ ብምርድዳእን ብምትሕብባርን እናተሰርሐ ምዃኑ እውን መግለፂ እቲ ምምሕዳር ኣመልኪቱ፡፡

“ብልምዓት ኮሪደርን ዳግመ ምልማዕን ዝለዓሉ ነበርቲ እታ ከተማ ዝሐሸ መንበሪ ገዛ፣ መተካእታ መሬት፣ ካሕሳ፣ ምስርሒ ቦታ፣ ሼዳት፣ ናይ ትራንስፖርት ወፃ፣ ናይ ሞራል ካሕሳ ብመሰረት መፅናዕቲ ልምዓት ኮሪደር እቲ ቦታ መሰረት ከልምዑ ዝኽእሉ ናይ ምልማዕ መሰል ተሓሊዩሎምን ንውልቀ መንበሪ ገዛ ተለዓልቲ ክሳብ ዝሃንፁ ናይ ገዛኽራይ ወፃኢ ክረኽቡ ብምግባር ዝተተግበረ ኢዩ” ኢሉ፡፡

እዚ ከምዚ እናሃለወ ንህዝቡ ብዝተወዘዐ ሓበሬታን መረዳእታን ብምጭብርባር ዝደልዩ ጉድለት ስነ ምግባር ዘለዎም ሓደ ሓደ ሰባት፤ ብግልፂ ተወሲኑ ካብ ዝተነገረ ካብ ሓሙሽቲኦም ከባቢታት ልምዓት ኮሪደር ወፃእ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ልምዓት ኮሪደር ብምባል ተለዓልቲ ልምዓት ኮሪደር ከምዘለዉ ኣምሲሎም ዝተዛበዐ ሓበሬታ ብምግዋሕ ህዝቢ ንምድንጋር እናፈተኑ ከምዝኾነ ከምዘረጋገፀ ኣብሪሁ፡፡

“ብመሰረት እዚ ብልምዓት ኮሪደር ተዛቲዮም መተካእታ ቦታ፣ ካሕሳ፣ ገዛን ካልኦት ቦታታትን ብመሃብ ካብ ዘሰናበትናዮም ነበርቲ ወፃእ ዝኾነ ይኹን ብልምዓት ኮሪደር ዝተልዓሉ ሰባት ከምዘየለዉ ነፍልጥ” ኢሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment