ምልዓተ-ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ርክበ ካህናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምልዓተ-ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ርክበ ካህናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተዛዚሙ።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ፥ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ዝጠመተ መግለፂ ሂቦም።

ካብዚ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ እዋናዊ ዛዕባታት ጠሚቶም ዝመሓላለፉ መልእኽቲታት ንቤተ ክርስቲያን ዘይውክሉን ቅዱስ ሲኖዶስ ዘይቕበሎምን ከምኡውን ብፅኑዕ ዘውግዞምን ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ቅዱስ ሲኖዶስ ንቤተክርስቲያንን ህዝብታት ሃገርናን ዝረብሑ ውሳነታት ኣመሓላሊፎም ኢሎም።

ኣብ ቅዱሳን መፃሕፍቲ ተደሪኹ ማዕዳን ተግሳፅን ኣቦታት ምትሕለላፍ ካብ ቀደም ጀሚሩ ዝነበረ መፅሃፍ ቅዱሳዊ መሰረት ዘለዎ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ይኹን እንበር ካብዚ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ እዋናዊ ዛዕባታት ጠሚቶም ዝመሓላለፉ መልእኽቲታት ንቤተ ክርስቲያን ዘይውክሉን ቅዱስ ሲኖዶስ ዘይቕበሎምን ከምኡውን ብፅኑዕ ዘውግዞምን ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ንቐፃሊ ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ተግባር ንከይፍፀም ስሩዕ ዝኾነ ሕገ ደንቢ ኣወሃህባ መግለፂን ትምህርቲ ልኡኽ ወንጌልን ተሰናዲኡ ንምልኣተ ጉባኤ ንክቐርብ ቅዱስ ሲኖዶስ ከምዝወሰነ ሓቢሮም።

ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ጉዳያት ሃይማኖት ብሰፊሑ ብምዝታይ ክመሓየሹ ዝግበኦም ሓሳባት ንዝምልከቶ መንግስታዊ ትካል ምልኣኹ ገሊፆም።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ቅድሚ ምፅዳቑ ዝተውሃቦ መመሓየሽቲ ሓሳባት ኣብቲ ኣዋጅ ብዛዕባ ምክታቶም ክትትል ዝገብር ኮሚቴ ብቅዱስ ሲኖዶስ ከምዝተሰየሙ ኣረጋጊፆም።

ምምሕዳር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ነዚ ዘበን ዝምጥን መእንታ ክኸውን መሪሕ ተልሚ 10 ዓመት ብምፅዳቕ ናብ ተግባር ነክኣቱ ከምዝተወሰነ እውን ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment