ምልኣተ ጉባኤ ርክበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምልኣተ ጉባኤ ርክበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ብፀሎት ዝኸፈቱ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ÷ እቲ ጉባኤ ዓበይቲ ልኡኽቶታት እታ ቤተክርስቲያን ንምፍፃም ከምመሳርሒ ከገልግሉ ይኽእሉ ተባሂሎም ተባሂሉ ተኣሚኑሎም ዝተጀመሩ ወሰንቲ ስራሕቲ ብዝርዝር ውሳነ ዝመሓላለፈሉ ጉባኤ ከምዝኸውን ተዛሪቦም።

“ብኲናት ዝተመዛበሉ ወገናትን ዝዓነዉ ኣቢያተ ክርስቲያንን ብቕልጡፍ በፂሕና ነፅናዕነዐሉን ንሕግዘሉን ኩነታት ኣብቲ ጉባኤ ክንርኢ ኢና” ኢሎም።

ዓምዲ ብቐዋምነት ቃስታ ገዛ ከምዝሽከም ሰላም እውን ብተመሳሳሊ ኣካላዊን መንፈሳዊን ህይወት ሰባት ኣፅኒዓ ከምትሕዝ ብፁእነቶም ገሊፆም።

ዘተኣማምንን ዘላቒ ሰላም ንኽህሉን ጠንኪርካ ምምሃር፣ ምምካርን ምትዕራቕን ሓላፊነት ምውፃእ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ኣብ ጎንፂ እናተሳተፉ ዝርከቡ ወገናት እቲ ጎንፂ ጠጠው ኣቢሎም ብሰላማዊ ዘተ ፀገማት ንምፍታሕ ንኽፅዕሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብዙፋን ካሳሁንን ቅድስት ኣባተን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment