ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ንተፋሰስ ሃገራት እኹል መጠን ማይ ክሓልፍ ብምግባር ዝተሳለጠ ኢዩ – ያእቆብ ኣርሳኖ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ንታሕተዎት ተተፋሰስቲ ሃገራት እኹል መጠን ማይ ክሓልፍ ብምግባር ዝተሳለጠ ከምዝኾነ ኣብ ዩኒበርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተማራማሪ ሃይድሮ ፖለቲክስን ኣባል ጉጅለ ተደራዳሪ ግድብ ህዳሰን ያእቆብ ኣርሳኖ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ራብዓይን ናይ መወዳእታን ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ምዝዛሙ ቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ምብሳሮም ይፍለጥ።

ኣባል ጉጅለ ተደራዳሪ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ያእቆብ ኣርሳኖ (ዶ/ር)÷ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ከይጅመር ብዙሓት ፅዕንቶታት እናተገበሩ ከምዝነበረ ኣልዒሎም።

እቲ ግድብ ህንፀቱ ካብ ዝጅመር ንደሓር ዝነበሩ ፈተናታት ኢትዮጵያ ብፅንዓት ከምዝሓለፈቶም ብምግላፅ÷ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ምልኢት ማይ ምዝዛሙ ዝነበረ ፅዕንቶ ሙሉእ ብሙሉእ ዘኽምት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ሰፊሕ ወፍሪ  እናተገበረ ከምዝነበረ ብምግላፅ÷ ኢትዮጵያ ብዝሓዘቶ ትልሚ መሰረት ብምግባር ምልኢት ማይ እቲ ግድብ ብምዝዛማ  መሰረት ዓብ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ከምዘመዝበገት ኣብሪሆም።

ናይ መወዳእታ ምልኢት ማይ እውን ንታሕተወት ተፋሰስ ሃገራት እኹል መጠን ማይ ክሓልፍ ብምግባር ከምዝተወገነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ሉኣላዊ ግዝኣታ ዝርከብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ናይ ምጥቃም መሰል ከምዘለዋ ብዝግባእ ምግንዛብ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment