ሜ/ጀ መሰለ መሰረትን ሜ/ጀ ዘውዱ በላይን ምስ ነበርቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣዛዚ እዚ ምዕራብ ሜጀር ጀነራል መሰለ መሰረትን ዋና ኣዛዚ እዚ ምብራቕ ሜጀር ጀነራል ዘውዱ በላይን ምስ ነበርቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፅምብላ ከተማ እንዳባ ጉናንን ከባቢኣን ተዛቲዮም።

ኣብቲ ክልቲኦም ኣዘዝቲ ብሓባር ዝመርሑዎ ኣኼባ፥ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ እዋናዊ ፀገማትን ክግበሩ ብዛዕባ ዝግበኦም ጉዳያት ሓሳባትን ሕቶታትን ኣቕሪቦም በቶም ኣመራርሓታት ምላሽን መብርሂን ተዋሂቡ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሐን እናበፅሐ ዝርከብን ማሕበራዊ ፀገም ተሓታቲን በዓል ዋናን ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝኸኣሎ ኩሉ እናሰርሐ ዝነበረ ጁንታ ህወሓት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቶም ነበርቲ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ኣብ ስራሕ ስለዘይኮና ህዝቢ ኣብ ፀገም ከምዝወደቐ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ነቲ ዘጋጠመ ፀገም መፍትሒ ንኽወሃቦ ሓቲቶም።

ቅድሚ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ህወሓት ንኣምባገነናዊ ኣሰራርሕኡ ይጥቀመሉ ዝነበረን ህዝቢ ሓኒቑ ዝሓዘሉን ሓደ ንሓሙሽተ ኣወዳድባ ኣይፈረሰን ኢሉ ዘሓስብ ህዝቢ ስለዘሎ ሕዚ እውን ፍርሓት እናፈጠረሉ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ሰላም ከባቢኦም ንምሕላው ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ስራሕ ከምዝሰርሑ እውን ኣረጋጊፆም።

ሜጀር ጄነራል መሰለ መሰረት፥ ናይ ርሑቕን ቀረባን ፀላእቲ ኣብ ኩለመዳይ ውድቀት ኢትዮጵያ ብዙሕ እናሰርሑ ኣብዘለዉሉ እዋን፣ ሃገር ብዘይ ዕረፍቲ እናሓለወ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ብድሕሪቱ ምውግኡ ሉኣላዊነት ዘድፈረን ረብሓ ሃገር ኣሕሊፉ ዝሃበን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ነውረኛ ተግባርን ምሻጥ ሃገርን እቲ ጁንታ እውን ብዝርዝር ንነበርቲ ኣብሪሆምሎም።

ንኢትዮጵያ ከምዝደለዮ ናይ ምህዋኽን ድሌት እቲ ጉጅለ ክሳብ መስዋእትነት ብዝበፅሐ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ተጋድሎ ኣብ ሓፂር እዋን ከምዝፈሸለ ዝገለፁ እቶም ዋና ኣዛዚ፥ ጉድኣት ዝበፅሖም ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ስራሕ ንምጅማር ዝተዋደደ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ሜጀር ጄነራል ዘውዱ በላይ ብግደኦም፥ ኩሉ ነገር ክስተኻኸል ዝኽእል ብኸይዲ ኢዩ፣ ተገዲዶም ይኹኑ ተሰሓሒቶም ኣብ ውሽጢ ልኡኽቶ ጥፍኣት ዘለዉ ኢዶም ዘይሃቡ መናእሰይ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ወለዲን መኺሮም ንኽምለሱዎም ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment