ሜ/ጀነራል ክንፈ ዳኘው ምስ ዕድጊት ሆቴል ኢንፔሪያልን ሪቬራን ተተሓሒዙ ብዝቐረበሎም ገበን ግዕዝይና ጥፍኣተኛ ተባሂሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ምስ ዕድጊት ሆቴል ኢንፔሪያልን ሪቬራን ተተሓሒዙ ብዝቐረበሎም ክሲ ገበን ግዕዝይና ናይ ጥፍኣተኛ ፍርዲ ተመሓላሊፎዎም።

እቲ ናይ ጥፍኣተኝነት ፍርዲ ዝሃበ÷ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ምድብ ልደታ 3ይ ጉዳያት ገበን መጋባእያ ኢዩ።

ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዳይሬክቶሬት ጀነራል ዓቃቢ ሕጊ ጉዳያት ግዕዝይና÷ ነበር ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ኢንጂነሪግ ሓፂነ መፂን (ሜቴክ) ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ሕጊ ወፃኢ ብዝተፈፀመ ኢንፔሪያልን ሪቬራ ዝተብሃሉ ክልተ ሆቴላት ዕድጊት ልዑል ጉድኣት በፂሑ ብመባል ከቢድ ክሲ ገበን ግዕዝይና ኣቕሪቡ።

ነዚ ስዒቡ ተኸሳሲ ኣብቲ ክሲ ዝተጠቐሰ ተግባር ገበን ከምዘይፈፀሙ ብምፅራሕ ብዝሃዎ ናይ እምነት ክሕደት ቃል መበገሲ ዓቃቢ ሕጊ ዝተፈላለዩ ናይ ሰነድን ናይ ሰብን መሰኻኽ ናብ መጋባእያ ኣቕሪቡ ኣስሚዑ ነይሩ።

ቤት ፍርዲ ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ መርትዖ ብምምርማር ሜጀር ጀነራል ክንፈ ብዝተኸሰሱሉ ድንጋጌ ክከላኸሉ ብይን ዝሃበ ይኹን እምበር ተኸሳሲ ብግቡእ ክከላኸሉ ከምዘይከኣሎም እቲ ፍርድ ቤት ሎሚ መዓልቲ ገሊፁ፤ ብሕጊ ገበን ዓንቀፅ 407 ንኡስ ቁፅሪ 1 ሀ ን ንኡስ ቁፅሪ 2 መሰረት ናይ ጥፍኣተኛ ፍርዲ ኣመሓላሊፉሎም።

ብዝተመሓላለፈ ፍርዲ ድማ ኣብ ቀዳማይ ሆቴል ዕድጊት ብሙሉእ ድምፂ ጥፍኣተኛ ዝተባሉ እንትኾኑ፣ ኣብቲ ካልኣይ ክሲ ዕድጊት ሆቴል ድማ ብኣበዝሓ ድምፂ ብሓደ ዳይና ኣፈላላይ ሓሳብ ጥፍኣተኛ ተባሂሎም።

ቤት ፍርዲ ናይ የማን ፀጋምን ናይ ቅፅት ርኢቶ ብምምርማር ውሳነ ቅፅዓት ንመሃብ ን25 መጋቢት 2016 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ቅድሚ ሕዚ ምስ 111 ዕድጊት ራዳር ተተሓሒዙ ብ3 ዓመትን 7 ኣዋርሕን ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ብ4ይ መጋባእያ ገበን ግዕዝይና ውሳኔ ምሃቡ ምፅብፃብና ይዝከር።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment