ሜጀር ጄኔራል ከፍያለው ኣምዴ ኣዛዚ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ግዝኣት ኣብዬ ብምዃን ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሜጀር ጄኔራል ከፍያለው ኣምዴ ተሰማ ኣዛዚ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ግዝኣት ኣብዬ ዝተዋፈረ ሰራዊት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንክኾኑ ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ሸይመሙዎም።

ሜጀር ጄኔራል ከፍያለው ፃንሒት እዋን ስርሖም ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ሓምለ ንዝዛዝሙ ሜጀር ጄኔራል መሓሪ ዘውደ ብምትካእ እዮም ተሸይሞም።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፥ ሜጀር ጄኔራል መሓሪ ዘውደ ንዝገበርዎ ኣገልግሎትን ኣብቲ ውድብ ንዝነበሮም ውፅኢታዊ እዋን ኣመራርሓን አመስጊኖም።

ሜጀር ጄኔራል ከፍያለው ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ልምዲታት ከምዘለዎም ተገሊፁ።

ኣብ ቀረባ ዓማውቲ ክፍሊ ኢንጂነሪንግ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ከምዝመርሑን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2015 ኣብ ሶማሊያ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብምኽባር ዓቃቢ ሰላም ዝተዋፈረ ሓይሊ ብብርኪ መሪሕነት ከምዘገልገሉን ተሓቢሩ።

ሜጀር ጄኔራል ከፍያለው ቀዳማይ ዲግሪኦም ካብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ሩሲያ ዝረኸቡ እንትኾኑ፥ ካልኣይ ድግሪ ድማ ካብ ዩንቨርስቲ ኣሽላንድ ኣሜሪካ ብቢዝነስ ኣድሚኒስተሬሽን ከምዝተመረቑ ካብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment