ሜታ-ፌስቡክ ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምትሕብባር ተመክሮ ዓማዊል ዘመሓይሽ ፕሮግራም ተግባራዊ ከምዝገበር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሜታ-ፌስቡክ ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምትሕብባር ተመክሮ ዓማዊል ዘመሓይሽ ፕሮግራም ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ከምዝገበር ገሊፁ።

ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ምስ ዳይሬክተር ማእኸላይ ምብራቕን ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካን ስትራቴጂክ ሽርክናን ሜታ-ፌስቡክ ቪካስ ሜኖንን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ብምዃን ተመክሮ ዲጂታል ዓማዊል ንምምሕያሽ ኣብ ዝሕግዙ ዛዕባታት ስትራቴጂካዊ ዘተ ኣካይደን።

ሜታ-ፌስቡክ፥ ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምትሕብባር ተመክሮ ዓማዊል ዘመሓይሽ ፕሮግራም ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ከምዝገበር ኣብቲ ዘተ ገሊፁ።

ዓማዊል ኣብ ኣካውንቶም ሒሳብ አንተዘይሃሊዩ አውን ብኣገልግሎት ሜታ ፌስ ቡክ ነዝተወሰነ እዋን ብናፃ ብምጥቃም ርክቦም ንከቐፅሉ ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ከም ጥዕና፣ ትምህርቲን ዕድላት ስራሕን ዝኣመሰሉ ጠቐምቲ ሓበሬታታት ካብ ከፍሊት ናፃ ብምቕራብ ብመረዳእታ ዝማዕበለ ንቑሕ ዜጋ ንምቕራፅ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

Comments (0)
Add Comment