ሜሲ ዝኽደና መፍለዪት ቁፅሪ 10 ማሊያ ካሊእ ተፃዋታይ ከምዘይክደና ኣርጀንቲና ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊዮኔል ሜሲ ኩዕሾ እግሪ ምፅት ጠጠው ምሰበለ ንሱ ዝኽደና 10 ቁፅሪ መፍለዪት ማልዩኡ ንኻሊእ ተፃዋታይ ከምዘይትወሃብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣርጅንቲና ኣፍሊጡ፡፡

ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ክላውዲዮ ታፒያ÷ “ናይ ሊዮኔል ሜሲ 10 ቁፅሪ ንዘላለም ተኸቢሩሉ ክነብር ኢዩ፤ ንሕና ንዑኡ ክንገብረሉ ንኽእል ንኡሽተይ ነገር እዚ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ሜሲ ሃገሩ ኣርጀንቲና ድሕሪ 1986 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ን3ይ ግዘ ኣብ ዘልዐለቶ ፅዋዕ ዓለም ኳታር 7 ሸቶታት ብምምዝጋብ ንዓወት ሃገራዊት ጋንትኡ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ይዝከር፡፡

ሃገሩ ፅዋዕ ዓለም ክተልዕል ካብ ምግባሩ ሓሊፉ ሜሲ ንኣርጀንቲና 108 ፀወታታት ብምግባር 106 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናይ ኩሉ እዋን በዓል ውዕለታ ኣርጀንቲና ክኸውን ክኢሉ ኢዩ፡፡

ኣብ ኣሜሪካ ሜጀር ሊግ ሶከር ንጋንታ ኢንተር ሚያሚ አእናተፃወተ ዝርከብ ሜሲ÷ ኣብ 2026 ዝካየድ ፅዋዕ ዓለም ምስ ጉጅለ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጅንቲና ክካተት ከምዝኽእል ከምዘይተረጋገፀ ስፖርት ሞል ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment