ሜላታት ምክልኻል ሕማም ኮሌራ (ሽሮኽ)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕማም ኮሌራ (ሽሮኽ) በዞም ዝስዕቡ ሜላታት ምክልኻል ከምዝከኣል ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፦

■ ዝተሓከመ ወይ ፈሊሑ ዝዘሓለ ማይ ኣብ ዝተሓፅበን ፅሩይን መትሐዚ ምዕቃብ፣

■ ንመስተን መመገቢን ኣቑሑት መሕፀቢ ፅሩይ ዝተሓከመ ወይ ፈሊሑ ዝዘሓለ ማይ ምጥቃም፤

■ ኢድ ኩሉ ግዜ ብማይን ሳሙናን ምሕፃብ ብፍላይ ድማ ኣብ ወሳኒ እዋናት፤

■ ኣሕምልትን ፍረምረን ብዝተሓከመ ወይ ብፅሩይ ማይ ምሕፃብ፤

■ ምግብታት ካብ ዝኾነ ይኹን ብኽለት ምክልኻል፤

■ ዝተመሓየሸ ሽቓቕ ብምህናፅ ፅሬቱ ሓሊኻ ብግቡእ ምጥቃም ፣

■ ኣብ ወሰን ፅርግያ ዝርከቡ ሸየጥቲ ምግቢ ምፍታሽን ምቁፅፃርን፣

■ ደረቕን ፈሳስን ጉሓፍ ብኣግባቡ ምእላይ፤

■ ፍታን ህፃውንቲ ኣብ ሽቓቕ ምውጋድ ወይ ኣብ ዓሚቕ ጉድጓድ ምቕባር፤

■ ኣብ ወሰንቲ እዋናት ኣእዳውና ብማይን ሳሙናን ምሕፃብ፣

■ ካብ ሽቓቕ ድሕሪ ምምላስ፣ ቅድሚ ምድላው ምግቢ፣ ቅድሚ ምምጋብ፣ ህፃናት ድሕሪ ምፅራይ፡ ቅድሚ ምጥባው፣ ዝኾነ ርስሓት ድሕሪ ምትንካፍካ፣ ብሕማም ኮሌራ ዝተትሓዘ ሰብ ድሕሪ ምትንካፍ ኣእዳው ብፅሩይ ማይን ሳሙናን ብኣግባቡ ብምሕፃብ ነቲ ሕማም ምክልኻል ይከኣል ክብል እቲ ቢሮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊፁ።

 

Comments (0)
Add Comment