ማይ ከርሰ ምድሪ ብስፍሓት ንመስኖ ብምውዓል ስራሕቲ ሕርሻና ነማዕብል ኣለና-ሓረስቶት ዞባ ደቡብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማይ ከርሰ መሬት ብስፍሓት ንመስኖ ብምውዓል ስራሕቲ ሕርሸኦም የማዕብሉ ከምዘለዉ ሓረስቶት ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ገሊፆም።

እቶም ሓረስቶት፥ ብኩታ ገጠም በልሓት ኣተሓራርሳ ብምጥቃም ስራሕቲ ሕርሽኦም ንምምዕባል ብሓባር ብምኻን ማይ ከርሰ ምድሪ ምኹዓት ምጅማሮም ተዛሪቦም።

ብናይ ገዛእርእሶም ተበግሶ ገንዘብ ብምውፃእ ዓመቑቲ ጎዳጉዲ ማይ ይኹዕቱ ምህላዎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዚ ድማ፥ ስራሕቲ መስኖ ብኩታ ገጠም ንምልማዕ ይረብሖም ከምዘሎ ኢዩ ገሊፆም።

ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፃንሒት ዝገበሩ ሓረስቶት እቲ ከባቢ፥ ማይ ከርሰ ምድሪ ብምጥቃም ኣብ ዓመት ክሳብ ኣርባዕተ ጊዘ ምፍራይ ከምዝከኣል ምግንዛቦም ኣብሪሆም።

ዳይሬክተር ልምዓት መስኖ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሃይለ ታደለ በግደኦም፥ ሓረስቶት ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብቲ ክልል ካብ ዝነበረ መንቅስቓስ ልምዓት መስኖ  ልምዲ ብምውሳድ ስራሕቲ መስኖ ንዘላቒ ለምዓት ወሳኒ ከመዝኾነ ንክፈለጥ ገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ማይ ከርሰ ምድሪ ብምጥቃም መስኖ ምልማዕ ብብርኪ ሓረስቶት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተወሰና ከባቢታት ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ሎሚ ዘበን ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ይሰፍሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment