ማይ ከርሰ ምድሪን ገፀ ምድሪን ብግቡእ ንምጥቃም ፈልሲታ ምትካል ይገባል – ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማይ ከርሰ ምድሪን ገፀ ምድሪን ብግቡእ ንምሕላውን ምጉሕጓ መሬት ንምክልኻልን ፈልሲታ በቢእዋኑ ምትካል ከምዝግባልእ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።

ሚኒስትር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)ን ኣመራርሓ ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ክልል ጋምቤላ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲን ንተምሃሮ ዝኸውን ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲን ገይሮም።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ግድባት ብደለል ከይምልኡን ማይ ከርሰ ምድሪን ገፀ ምድሪን ብግቡእ ንምሕላው ሃፍቲ ደኒ ምድንፋዕን ፈልሲታት ምትካልን ይግባእ።

ሚኒስትር ዴኤታ ምሕደራ ሃፍቲ ማይ እቲ ሚኒስቴር ኣብርሃ ኣዱኛ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ፈልሲ ምትካልን ምክንኽንን ንወለዶ ብምስጋር ካብ ብኽለት ዝነፅሀት ሃገር ምርካብ ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡

ብዙፋን ካሳሁን

Comments (0)
Add Comment