ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ 12 ሓምለ 2013 ዓ.ም ተዛዚሙ ማይ ብቕርቅርቲ እቲ ግድብ ምፍሳስ ከምዝጀመረ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ኣፍሊጦም።
ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ማይ ብቕርቅርቲ ግድብ ህዳሰ ምፍሳስ ምጅማሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ፅሒፎም።
ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብኽልተ ተርባይን ሓይሊ ንምፍልፋል ዘድሊ መጠን ማይ ምሓዝ ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ቀፃሊ ስራሕ፥ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ክልተ ተርባየን ተኸላ ብምዝዛም ናይ ምፍልፋል ስራሕ ናብ ተግባር ምእታው ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።