ማይክ ፖምፔዮ ምስ ተወከልቲ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ ምስ ተወከልቲ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ተዛትዮም።

ኣብ ውሽጢ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኣድላይነት ናፅነት ሃይማኖት ብዝምልከት ምዝታዮም እውን ተገሊፁ።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፥ ቀፃሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ወሳኒ ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

ከይዲ እቲ ዝካየድ መረፃ ሰላማዊ ንኽኸውን ድማ ሃናፃይ ዘተ ምግባር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ፥ ምስ ፕዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ተዛተዮም ኢዮም።

Comments (0)
Add Comment