ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ማይክሮሶፍት ንፕሮግራም ዲጂታል ልምዓት ኢትዮጵያን ክሕግዝ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ።
ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ ዝርከብ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ማይክሮሶፍት ኣብ ምትሕብባር ቴክኖሎጂ ስራሕቲ ግብረ ሰናይን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ማይክሮሶፍትን ዘሎ ሓበራዊ ተረባሕነት ኣመልኪቶም ተዛቲዮም፡፡
እቶም ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ ዕቤት ቴክኖሎጂ፣ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ዝተፈላለዩ ዓውዲታትን ሕዚ ትርከበሉ ብርኪ ዝምልከት፤ ብፍላይ ብዛዕባ ዲጂታል ኣፍልጦን ስልጠናን ንመናእሰይ ኢትዮጵያ ዘለዎ ረብሓ ኣመልኪቱ ነቶም ኣመራርሓ ገለፃ ገይሮምሎም፡፡
ኢትዮጵያ ዘለዋ ሓይሊ መንእሰይ ከምኡ እውን ብቐሊሉ ክስልጥን ዝኽእል ሓይሊ ሰብ ቁፅሩ ልዑል ስለዝኾነ÷ ማይክሮሶፍት ኢትዮጵያ ንስርሑ ማእኸል ብምግባር ንኽመርፅን ዕድላት ክፈጥርን ሓቲቶም፡፡
ንቴክኖሎጂ ማይክሮሶፍት ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ከምፅእ ኣብ ዝኽእለሎም ሓበራዊ ስራሕቲ፣ ፕሮጀክታት ፈተነ ወይ እውን መሰል ተበግሶ ዝጠመተ ምይይጥ ተገይሩ፡፡
ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ እዋን ዘተ ኣድላይነት ምትሕብባር ዝገለፁ እንትኾኑ፥ በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ማይክሮሶፍት ምስ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ዘለዎ ድሌት ንኢዶም።
የ አመራር ከማይክሮሶፍት ጋር አጋር ለመሆን ያላትን ፍላጎት በተመሳሳይ አድንቀዋል
ኣመራርሓታት ማይክሮሶፍት ብተመሳሳሊ፤ ኢትዮጵያ ምስ ማይክሮሶፍት ብሓባር ንምስራሕ ዘለዋ ድሌት ንኢዶም።
ኣብ ቀፀልቲ ስጉምቲታት ጉጅለ ስራሕ ክልቲኡ ወገን ብምምዳብ ጭቡጥ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ሓበራዊ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com