ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮፓ ዘጋጠመ ልዑል ሙቐት ብዘልዐሎ ባርዕ ሓዊ ልዑል ዕንወት እናስዐበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብዝሑል ንብረት ኣየር ትፍለጥ ብሪታኒያ ንፈለማ እዋን ልዕሊ 40 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ዝኾነ መጠን ሙቐት ኣመዝጊባ።
ኣብ ጀርመን እውን ልዑል መጠን ሙቐት ዝተመዝገበ እንትኸውን፥ ኣብ ፖርቹጋል ምስቲ ሙቐት ተተሓሒዙ ልዕሊ 1 ሺሕ ሰባት ንሕልፈት ከምዝተቓልዑ ሓበሬታታት ኣመልኪቶም።
ኣብ ፈረንሳይ እውን ኣብ 64 ዝተፈላለዩ ከባቢታታ ልዑል መጠን ሙቐት ኣመዝጊባ ተባሂሉ፡፡
ኣብ ደቡብ ምዕራብ ክፍሊ ፈረንሳይ ኣብ ታሪኽ 30 ዓመት ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ልዑል ባርዕ ሓዊ ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 12 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ግዝኣት ጊሮንዴ ዝርከብ ልዕሊ 20 ሺሕ 300 ሄክታር መሬት ዝራእቲ ወይኒ ከምዝዓነዉ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ናብ 37 ሺሕ ዝፅግዑ ፈረንሳውያን ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ መራኸብቲ ሓፋሽ ፀብፂቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ደኒታት ኣውሮፓ ዝተወለዐ ነበልባል ሓዊ ተጋዲዱ ከምዝቐፀለ ቢቢሲ ፀብጺቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com