ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማዕቐፍ ብቕዓት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉፀገማት ምፍታሕ ተሓሳቢ ገይሩ ክዳለው ከምዝግባእ ተሓቢሩ።
ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ምብራቕ ኣፍሪካ ፕሮጀክት ምትእስሳር ቀጣናዊ ክእለት ብምትሕብባር ዘሰናድኦን ኣብ ምድላው ማዕቐፍ ብቕዓት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዘድሃበን መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።
ኣፈፃሚ ኣካላት መንግስቲ ከም ብሓዱሽ ምውዳቦም ስዒቡ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብመንፅር ለምዓት ክእለት ዘሎ ማዕቐፍ ብቕዓት ምስ በዓል መዚ ትምህርቲን ስልጠናንን ዝምልከቶም ኣካላትን ንምዝታይ ተሓሳቢ ተገይሩ ኢዩ እቲ መድረኽ ተዳሊዩ።
ፅርየትን ኣግባብነትነ፣ ተበፃሕነትን ፍትሓውነትን ከምኡውን ተሓታትነትን ዓለም ለኻዊ ተወዳዳርነርን ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፈተንቲ ፀገማት ከመዝኾኑን ከም ሃገር ኣብ ዓውዲ ስልጠናን ትምህርቲን ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ማዕቐፍ ብቕዓት ረብሕኡ ልዑል ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።
ቅድመ ሐዚ ኣብ ዓውዲ ቴክኒክን ሞያን ማዕቐፍ ብቕዓት ተዳሊዩ ተግባራዊ እንትግበር ከምዝነበረን እቲ ማዕቐፍ ከም ሃገር ብዝምልከቶ ኣካል ዘይፀደቐ ብምዃኑ ክሳብ ሐዚ ኣብቲ ዓውዲ ፀገም ኮይኑ ይቕፅል ከምዘሎ እውን ምሕባሩ ካብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።