ማዕርነት ስርዓተ ፆታ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ንክረጋገፅ ይስራሕ ኣሎ-ሚኒስትር ዴኤታ ሶፊያ ካሳ(ዶ/ር)

ማዕርነት ስርዓተ ፆታ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ንክረጋገፅ ይስራሕ ኣሎ-ሚኒስትር ዴኤታ ሶፊያ ካሳ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 49 ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትግራይ ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ መቐለ ተኸቢሩ።

ኣብቲ በዓል ተረኺበን መልእኽቲ ዘሕለፋ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወይዘሮ ፍረ ወይኒ ገ/ሄር፥ በብምዕራፉ ዝተኻየደ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ምስ ብፆተን ተቓሊስን ኣቃሊሰን ዝነበረ ጨቋኒ ስርዓት ደርግ ቀይረን እየን ኢለን።

ኣብዚ ፍሉይ ውፍይነትን ፃዕርን ዝጠልብ መድረኽ ኮይንና ኩሎም ፀገማትና ዝፍትሕሉን ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ኣገባባት ፣ ደቂ ኣንስትዮ ጥዕነአን ንክሕለው ቅድመ ምክልኻል ስራሕቲ ክስራሕ ፀዊዐን።

ብፍሉይ ኣካላውን ሰነልቦናውን ሕክምና ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ቁጠበኣን ክድልድል ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናያት ዝስራሕ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፀን።

ሚንስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን  ሶፊያ ካሳ(ዶ/ር) ብግደአን፥ ትግራይ ብጥንካረኽን እናድነቕና ፃዕርኽን ክንሕግዝ ኢና ክብላ ገሊፀን ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሃገርና እውን ማዕርነትን መሰልን ንክሕሎ ዝተፈላለዩ ቃልስታት እናካየዳ መፂኣን እየን ንሕና ድማ ናተን ውፅኢት ኢና ክብላ ገሊፀን።

ማዕርነት ስርዓተ ፆታ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ክረጋገፅ እናተሰርሐ ይርከብ ድማ ኢለን ።

ሎሚ ዘበን እቲ በዓል እንትነኽብር ስራሕቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ባይታ ትዕዝብቲ ብምግባር ከምዝኾነ ድማ ገሊፀን።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፈንድ ጉዳያት ስነ ህዝቢ ( UNFPA) ሓላፊት ጨንፈር ትግራይ ሚስ ጆይስ ብወገነን፥ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርገቲ ኣካላት ብምዃን ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ደው ክብልን ማዕርነት ስርዓተ ክረጋገፅን እዩ ዝሰርሕ ኢለን ።

 

Comments (0)
Add Comment