ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ትካል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ትካል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ዋና ዳይሬክተር ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንጂነር ወርቁ ጋችናን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣይተ ሰይፈ ደርቤን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ፡፡

ኢንጂነር ወርቁ ጋቸና፥ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ንዘፈር ሚዲያ ዓቢዪ ቴክኖሎጂ መፍትሒ ሒዙ ዝመፅአ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ግዜኢ ተጠቃሚ እቲ ቴክኖሎጂ ንኽኾኑ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ከምዝሰርሕ ምዝራቦም ካብቲ ማእኸል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዜኢ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ብግደኦም፥ ምስቲ ማእኸል ተሓባቢርካ ምስራሕ ዓቢዪ ዓወት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ትካል ኣብነት ዘፈር ሚዲያ ኢትዮጵያ ናይ ምዃን ዓላማ ሒዙ ብምብጋሱ ሽትኡ ንምዕዋት ቴክኖሎጂ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዓቢዪ ሓገዝ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment