ማእኸል ምርመራ ፎረንሲክ ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ምርመራ ፎረንሲክ ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ ህንፀቱ ብምዝዛም ስራሕ ጀሚሩ።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሞ ባይነህ ኣበራ ከምዝገለፁ÷ እቲ ማእኸል ስራሕ ምጅማሩ ኣገልግሎት ንምርካብ ናብ ካሊእ ከባቢ ብምኻድ ዝባኽን ግዘን ጉልበትን ብምቑጣብ ስራሕ ንኽቀላጠፍ ዝገብር ኢዩ።

ም/ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ በሃይሉ መርደክዮስ ብግደኦም÷ እቲ ዩኒቨርሲቲ ግዚኡ ዝጠልቦ ክእለት ዘለዎ ዜጋ ንምፍጣር ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብቲ ማእኸል ምርመራ ፎረንሲክ ብተወሳኺ÷ ህንፀት መቐበሊ ናሙና ተዛዚሙ ምስ ኣካላት ፍትሒ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብምውዳድ ሎሚ መዓልቲ ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝተገበረ ሓበሬታ ፖሊስ እቲ ክልል የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment