ማእኸል መትከሊ እግሪ ጉዱኣት ማሕበራዊ ፀገም ተመሪቑ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሐ ህንፃ ማእኸል ልምዓት መትከሊ እግሪ ጉዱኣት ማሕበራዊ ፀገም ተመሪቑ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ እቲ ማእኸል ዝተረኸባ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ፀገም ማሕበረሰብ ምቅላል ትልሚ እቲ ምምሕዳር ከተማ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ምምሕዳር ከተማ ፀገም ዝፈትሑ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፃ ወይዘሮ ኣዳነች፥ “ኣብቲ ማእኸል ዝገደሉ እናተማልኡ ህይወት ዜጋታት ንምድሓን ክስራሕ ኢዩ” ኢለን።

ህንፀት እቲ ማእኸል ክልተ ዓማውቲ ዝወሰደ እንትኸውን፥ ልዕሊ ብር 75 ሚሊየን ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

32 ክፍሊታት ዝሓዘ ከምዝኾነን 1 ሺሕ ሰባትናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ከምዝለዎን እውን ተሓቢሩ።

ኣፍቲ ማእኸል ጎደና ሓደር ሰባት፣ ጉዱኣት ኣካልን ንማሕበራዊ ፀገም ዝተቓልዑን ሰባት ኣቲዮም ስልጠናታት ክእለት ስራሕ ክረኽቡ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ ኢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment