ማእኸል መሰልጠኒ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ባላቴ ንሓደሽቲ ሰልጠንቲ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል መሰልጠኒ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ባላቴ ንሓደሽቲ ሰልጠንቲ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ኣካይዱ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዋና ኣዛዚ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ሌተናል ጄኔራል ሹማ ኣብደታ÷ ብፈቓድን ብሞራልን ንሃገሮም ብሞያ ውትድርና ንምግልጋል ዝመፅኡ መናእሰይ መሰረታዊ ስልጠና ውትድርና ብመሃብን ብምብቃዕን ሓይሊ ሰብ እቲ ትካል ንምጥንኻር ልዑል ስራሕ እናተሰሐ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም።

ሰልጠንቲ እውን ኣብ ስልጠና ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ዘጋጥሙዎም ውፃእ ውረዳት ብጥንካረ ብምሕላፍ ጥኩር ብፃያዊ ዝምድና ብምጉልባት ንመኸታ ሃገር ክኾኑ ከምዝግባእ ምሕባሮም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋና ኣዛዚ እቲ ማእኸል መሰልጠኒ ኮሎኔል ቦጃ ኣጋ ብግደኦም÷ ሰልጠንቲ ኣብ ስልጠና ፃሒቶም ዝወሃቦም ወታደራዊ ስልጠና ብብቕዓት ብምስልጣን፣ ኣብ ከይዲ እቲ ስልጠና ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት ብቖራፅነት ምሕላፍን ብጥንኩር ወታደራዊ ዲስፕሊንን ክዛዝሙ ከምዝግበኦም ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment