ማእኸል ሓበሬታ ሚዲያን ባህሊን ብሪክስ ፕላስ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ሓበሬታ ሚዲያን ባህሊን ብሪክስ ፕላስ ምምስራቱ ኣመልኪቱ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ኣብ ሩሲያ ሞስኮ ተኻይዱ፡፡

እቲ ማእኸል ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ፕላስ ሰብኣዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕ፣ ባህሊ፣ ሳይንስን ትምህርቲን ንምፍላጥ ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት መኽፈቲ÷ ካብ ኢትዮጵያ፣ ብራዚል፣ ግብፂ፣ ህንዲ፣ ኢራን፣ ቻይና፣ ኩባ፣ ሩሲያ፣ ስዑድ ዓረብ፣ ቱርኪን ደቡብ ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ኣካላት መንግስቲ፣ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ፣ የተወከልቲ መራኸብቲ ሓፋሽን ትካላትን ተረኺቦም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ምምስራት እቲ ማእኸል ኣብ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዝርከባ ሚዲያታት ልውውጥ ባህሊን ሓበሬታን ንኽህሉ ዕድል ከምዝፈጥር ገሊፆም፡፡

“ኣብ ከይዲ እዚ ጉዕዞ ታሪኽ ብምፍላጥን ኣፈላላያት ብምኽባር ንሓደ ዕላማ ንኽንተኣኻኸብ ኣብ ምኽኣል ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ዕዙዝ ኢዩ” ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment