ማእኸል ልምዓትን ሰላምን ዝተብሃለ ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ፍቓዱ ተሰሪዙ

ኣዲስ ኣባበ ፣ 17 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሰሙን ሃገር ንምፍራስ ብሕቡእ እናተዛተዩ ናይ ዝነበሩ እኒ ፕሮፌሰር ኤፍሬም ይስሀቅ፣ እሌኒገብረመድህ፣ ግብረ ራዕዲ ብርሀነ ገብረክርስቶስን መሓዙቶምን ዘሰናደአ ማእኸል ልምዓትን ሰላምን ዝተብሃለ ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ፍቓዱ ተሰሪዙ።

እቲ ማእኸል ኣብዚ ሰሙን ብኣዛታይነት ፕሮፌሰር ኤፍሬም ነበር ኣምባሳደራት ኣሜሪካን ኣባላት እቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ናይ ጥቕሚ ተኻፈልቶምን ዝተኻየደ ዘተ ምፍራስ ሃገር ብህፁፅ እዋን ዓንቀፅ 4 ንኡስ ዓንቀፅ 9 መሰረት ብምግባር፤ ህልውናን ሉኣላውነትን ሃገር ከምኡ እውን ሰላማዊ ዜጋታት ንምሕላው ኣድላዪ ኢዩ ኢሉ እንተኣምን፤ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ሓገዝ ይገብር ኢዩ ተባሂሉ ዝጥርጠር ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ፍቓዱ ንኽስረዝ ይእዝዝ” ብዝብል መሰረት ብምግባር እቲ ትካል ክስረዝ ተገይሩ።

በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንኽስረዝ ብዝወሰኖ መሰረት ብኣዋጅ ቁፅሪ 1113/2013 ዓንቀፅ 88/3 መሰረት ብምግባር እቲ ኤጀንሲ ዳግም ተመዝጊቡ ሰርተፊኬት ቁፅሪ 2936 ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺቡ እናተንቀሳቐሰ ምፅንሑ ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ማእኸል ሰላምን ልምዓትን ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐቱ (ፍቓዱ) ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክዝተሰረዘ ኣፍሊጡ፡፡

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment