ማእኸላይ እዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዘካይዶ መጥዕቲታት ኣጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝተዋፈረ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ከካይዶ ዝፀንሐ መጥዕቲ ይቕፅሎ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ማእኸላይ እዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ጥራይ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ሑቲ ከምዘዕነወ ሓቢሩ።

ሓይልታት እቲ እዚ “ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ሓንቲ ሰብኣልቦ ነፋሪት ናይቶም ብኢራን-ዝድገፉ ሑቲ ኣብቲ ዝቆፃፀርዎ ከባቢታት የመን ኣዕንዮም” ክብል እቲ ትማሊ ዝወፅአ መግለፂ ሓቢሩ።

ብቐዳም’ውን ሓንቲ ‘ሰብኣልቦ ጃልባ’ (USV) ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዘዕነወ ሓቢሩ ነይሩ።

“እታ ጃልባ ሓይልታት ልፍንትን ኣመሪካን ከምኡ’ውን ንመራኽብ ንግዲ ግሉፅ ሓደጋ ብምዃና” ስለዝተወሰነ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ማእከላይ እዚ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ሓደ መቆፃፀርን መአዘዚን መደበር ሑቲ ዝበሎ ነቚጣ ከምዘዕነወ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብርክት ዝበለ ተመሳሳሊ ዒላማታት ሑቲ ከምዘጥቅዐ’ውን ቢቢሲ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment