ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ንእስቲ ማህሌት ተኽላይ ገበን ቅትለት ንዝፈፀሙ ተኸሰስቲ ፍርዲ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ንእስቲ ማህሌት ተኽላይ ገበን ቅትለት ንዝፈፀሙ ተኸሰስቲ ፍርዲ ሂቡ።
ብመሰረት እዚ 10 መጋቢት 2016 ናብ ቤት ትምህርቲ ካብ ትኸደሉ መንገዲ ተጨውያ 12 ሰነ 2016 ዓ/ም ተቐቲላ ዝተረኸበት ጓል 16 ዓመት ነባሪት ከተማ ዓድዋ ንእስቲ ማህሌት ተኽላይ ገበን ቅትለት ዝፈፀሙ ቐዳማይ ተኸሳሲ ብሞት ቅፅዓት ኻልኣይን ተኸሰስቲ ድማ ብዕድመ ልክዕ እስራት ተፈሪድሎም።
ቀዳማይ ተኸሳሲ ኽሳዳ ሓኒቑ ብምሓዝ ኻልኣይ ተኸሳሲ ድማ ብባጃጅ ጨውዩ ብምውሳድ ክቐትልዋ ናብ ዝወሰድዋ ቦታ ድማ ን30 ደቂቓ ዝኣክል ብገመድ መእሰሪ ጫማ ኣሳቒዮም ከምዝቐተልዋ ዓቃቢ ሕጊ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ገሊፁ።
ናይ ተኸሰስቲ ሓደገኛ ተግባር እንትርአ፥ ቀዳማይ ተኸሳሲ ምስ ቐተላ ናብ ስራሕ ምእታውን፤ ካብ ዝቐበርዋ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ንኣይተ ተኽላይ 3 ሚሊየን ብር ምሕታቱን ካልኦትን ኢዮም።
ኻልኣይ ተኸሳሲ እውን ማዕረ ማዕረ ምስ ቐዳማይ ተኸሳሲ ኣተሓባባሪ ምዃኑ ተመላኺቱ እዩ ዝበለ መዝገብ ዝርኣየ ዓቃቢ ሕጊ እዚ ገበን ቅትለት ጭካነ ዝተመልኦ ብምዃኑ ንኽልቲኦም ተኸሰስቲ ፍርዲ ሞት ክውሃቦም ሓቲቱ።
ወላዲ ማህሌት ኣይተ ተኽላይ ግርማይ፥ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዘለዎ ኣካላት ፀጥታን ቢሮ ፍትሒን ክልል ትግራይ ፍትሒ ንክነግስ ንዝገበርዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ኣመስጊኖም።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment